ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር 94.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር 94.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ

Radio Erena : 29 April 2015

bash

ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ልዕሊ 94.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ ብወትሃደራዊ ዕልማ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ሕጂ’ውን ደጊሙ ከምዝተዓወተ ስለዝተገልጸ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል’ዩ።

71 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 94 ሚእታዊ ድምጺ ምርካቡ ካብ ህዝቢ ልዑል ደገፍ ከምዘለዎ ካድራቱ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ በንጻር እዚ እቲ ምርጫ ስማዊን ንኹሎም እቶም ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ሱዳን ዘየሳተፍን ምንባሩ ተቓወምቱ ይጠቕሱ።

 

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ 44 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነቲ 426 መናብር ዘለዎ ባይቶ እታ ሃገር ንምዕዋት ክወዳደራ እንከለዋ፣ ብኣልበሽር ዝምራሕ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ 323 መናብር ከምዝተዓወቶ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

እዚ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኩሎም ተቓወምቲ ወገናት እታ ሃገር ንኽሳተፉ ባይታ ዘየጣጠሐን ንኣልበሽር ኣብ ስልጣን ንምቅጻሉ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ጸወታን’ዩ ክብሉ መንግስታት ኣመሪካ ብሪጣንያን ነርወይን ነጺጎሞ ኣለዉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ 55 ሃገራት፣ ኣብተን ሓሙሽተ ዴሞክራስያዊ ምርጫታት ብስሩዕ ክካየድ እንከሎ፣ ሱዳን ኣብ እትርከበን ዝበዝሓ ሃገራት ከኣ እቲ ምርቻ ስማዊን ንፖለቲካዊ ጸወታን ዝግበር’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ደሞክራስያዊ ይኹን ስማዊ ምርጫ ንምክያድ ዝኾነ መደብ ካብ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብቀዳምነት እትጥቀስ፣ እታ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ኤርትራ’ያ።
=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0