ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል ኣብ ዝተወልዐ ናይ ቀቢላ ግጭት ብውሕዱ 13 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 19 October 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል ኣብ ዝተወልዐ ናይ ቀቢላ ግጭት ብውሕዱ 13 ሰባት ከምዝተቐትሉን 24 ድማ ከምዝቖሰሉን መግለጺ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ17 ጥቅምቲ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ወድ ኤል ማሒ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብጉዳይ መሬት፣ ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት’ዩ እቲ ሞትን መቑሰልትን በጺሑ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ‘ቲ ዞባ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃውሳ፣ በርታን ኤል ሓማጅን፣ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት 105 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ መግለጺ OCHA ዘመልክት።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ብድምር ልዕሊ 149 ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ኣገንዚቡ።

ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝውላዕ ዘሎ ግጭታት ዝሃደሙ ኣሽሓት ነበርቲ ቁሸታት፣ ተዛማዲ ርግኣትን ጸጥታን ናብ ዘለዋ፣ ርእሰ ከተማታት ዞባ ብሉ ናይል ናብ ዝኾነት ኤድ ደማዚን ይውሕዙ ኣለዉ።

ዞባ ብሉ ናይል ናይ ሱዳን ምስ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ናይ ኢትዮጵያ ዝዳወብ፣ ተኣፋፊ ጸጥታ ዘለዎ ከባቢ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0