ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል ኣብ ዝተወልዐ ናይ ቀቢላ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 220 በጺሑ

Radio Erena: 25 October 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባ ብሉ ናይል፣ ካብ 17 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝቐጸለ ናይ ቀቢላ ግጭት ናይ ዝተቀትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 220 ከምዝበጽሐ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ብከቢድን ፎኵሲን ዝቖሰሉ ልዕሊ 300 ነበርቲ ሓያሎ ቁሸታት እቲ ዞባ ኣብ ማእከላት ሕክምና ይእለዩ ኣለዉ።

እቲ ወድ ኤል ማሒ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት፣ ብጉዳይ መሬት ዝተወልዐ ናይ ቀቢላ ግጭት ንሓያሎ ቁሸታት እቲ ዞባ ናብ ናይ ቀቢላ ምትፍናን ሸሚሙወን ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ይገልጻ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ‘ቲ ዞባ፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃውሳ፣ በርታን ኤል ሓማጅን፣ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት 105 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣቅዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ብድምር ልዕሊ 149 ሰባት ተቐቲሎም ከምዝተቐትሉ ክግለጺ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ብዝሒ ብሃንደበት ናብ ልዕሊ 220 ምዕራጉ፣ ኣብቲ ዞባ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ካብቲ ብተደጋጋሚ ዝውላዕ ዘሎ ግጭታት ዝሃደሙ ኣሽሓት ነበርቲ ቁሸታት፣ ተዛማዲ ርግኣትን ጸጥታን ናብ ዘለዋ፣ ርእሰ ከተማታት ዞባ ብሉ ናይል ናብ ዝኾነት ኤድ ደማዚን ይውሕዙ ኣለዉ።

ኣብታ ከተማ’ውን እንተኾነ፣ ምትፍናን ሰፊኑ ስለዘሎ፣ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቦ ትካላት ይዕጹ ምህላዉ ዝሓበራ መርበባት ዜና ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ፣ ኣሕመድ ኣል ዖምዳ ባዲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ንቤት ጽሕፈት እቲ ምምሕዳር ከምዘቓጸሉ ገሊጸን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ንኣዛዚ ሰራዊት እቲ ዞባ ዝነበረ፣ ሜጀር ጀነራል ራምዚ ባባከር ካብ መዝነቱ ብምእላይ፣ ብሜጀር ጀነራል ራባይ ዓብደላ ኣደም ከምዝተከኦ ኣፈኛ ሰራዊት፣ ኮለነል ናቢል ዓብደላ ኣፍሊጡ።

ዞባ ብሉ ናይል ናይ ሱዳን ምስ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ናይ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝዳወብ፣ ተኣፋፊ ጸጥታ ዘለዎ ከባቢ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0