ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተታሕዘ ኣጽዋር ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎ’ዩ ክብል መንግስቲ መሊሱ

Radio Erena: 06 September 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተጻዕነ ኣጽዋር፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ 72 ሰናዱቕ ተዓሺጉ፣ ብቀዳም 4 መስከርም ዝተታሕዘ ኣጽዋር፣ ጸጥታ ሱዳን ንምዝራግ ናብታ ሃገር ክኣቱ ዝፈተነ ክኸውን ከምዝኽእል ስለዝተጠርጠረ ምጽራይ ይግበረሉ ምህላዉ’ዩ ብወገን ሱዳን ክስማዕ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፣ ንሃድን ዝዓለም’ዩ ዝበሎ ጠበናጁ፣ ሕጋዊ ሰነዳት ዘለዎን ናብ ሱዳን ክኣቱ ዝተፈቕደሉን’ዩ ክብል መልሲ ሂቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዋላ’ውን ሕጋዊ ሰነዳት ይሃልዎ ኣጽዋር፣ ህዝቢ ኣብ ምምልላስ ብዝተዋፈራ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ምጥቃሙ የዘራርብ ኣሎ።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ኣጽዋርን ወትሃደራትን ኣብ ምምልላስ ተዋፊሩ ኣሎ ንዝብል ክሲ ክነጽግ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነዚ ኣብ ካርቱም ዘጋጠሞ ጭብጢ ክኽሕዶ ኣይከኣለን።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0