ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይረከብ ቤት ትምህርቲ ሴሮም ብምእታው ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብጎነጽ ፖሊስ ተኣልዮም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይረከብ ቤት ትምህርቲ ሴሮም ብምእታው ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብጎነጽ ፖሊስ ተኣልዮም

Radio Erena: 06 May 2016

Pa

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ኣገልግሎት ዘይረከብ ቤት ትምህርቲ ሴሮም ብምእታው ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምግዓዞም ፖሊስ ፈረንሳ ጎነጽ ከምዝተጠቕሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ወቒሶም።

ፖሊስ ፈረንሳ ብሮቡዕ 4 ግንቦት ፣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ብምኽባብ፣ ነቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ኣብ ዘውጽኦም ዝነበሩ እዋን፣ ካብ ጸጋማውያን ሰልፍታት እታ ሃገር ዝኾኑ ተጣበቕቲ ስደተኛታት፣ ናብ ፖሊስ ኣእማንን ጠራሙዝን ደርብዮም።

ፖሊስ ነቶም ንመሰል ስደተኛታት ንምጥባቕን ኣብቲ ቦታ ዝተኣኻኸቡ ኣምኢት ፈረንሳውያን ንምብታውን ዘንብዕ ጋዝን ተኩሶም።

 

መንግስቲ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዘይርከብ ዕጹው ቤት ትምህርቲ ኣጽሊሎም ዝርከቡ ስደተኛታት ውሑስ መዕቆቢ ከዳልወሎም ኣብ እርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብፖሊስ ብሓይሎን ጎነጽን ካብቲ ቦታ ከግዕዞም ምፍታኑ እቶም ሰለፈኛታት ኮኒኖም።

ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ከባቢ ላ ሻፔል ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ተዓቝቦም ዝርከቡ ስደተኛታት መብዛሕቶም፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሱዳንን ኣፍጋኒስታን ኮይኖም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ንኣዋርሕ ዝጸንሑ’ሞ ምስላጥ ኣብዩዎም ዝተመልሱ’ዩም።

መንግስቲ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ተደጋጋሚ ጻዕርታት ዝገብር እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቱ እቲ ብመንግስቲ ዝዳሎ መዕቖቢታት ካብ ከተማታት ኣዝዩ ርሑቕን ጉዳያትካ ንምስላጥ ዘይምቹእን ብምዃኑ ስደተኛታት ክቕበልዎ ኣይርኣዩን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0