ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣርባዕተ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም

ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣርባዕተ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 27 October 2016

Eraf

ክልተ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ናይ ልምምድ ነፋሪት ሒዞም ብሮቡዕ26 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ መቐለ ብምዕላብ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዑቅባ ናይ ዝሓተቱ ፓይሎታት እቲ ሓይሊ ኣየር ኣርባዕተ በጺሖም።

እቶም ነፋሪት ሒዞም ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ዝሓተቱ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ መብራህቱ ተስፋማርያምን ኣፈወርቂ ፍስሃየን ዝተባህሉ’ዮም።

ኣቐዲሞም ኣብ መጀመርያ ወርሒ ነሓሰ 2016፣ ብጉዳይ ስራሕ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝላእከት ጉጅለ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ዮናስ ሄኖክን ኣስመሮም ኣማኑኤልን ዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ ሄሊኮፕተር ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ከምዝተሰወሩ ምንጭታት ካብ ሓይሊ ኣየር ኣረጋጊጾም።

ኣብ 2 ጥቅምቲ 2012’ውን ዮናስን መኮነንን ዝተባህሉ ክልተ ምኩራት ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ነፋሪት ሒዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ምሕታቶም ኣይርሳዕን።

ነታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ጂዛን ተታሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ንምምላስ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት እቲ ሓይሊ ኣየር ራህዋ ዝተባህለት ጓለነስተይቲ ኣብራሪትን ሓደ ቴክኒሻንን ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፉ’ውን ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ 2013 ሓደ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ካብ ክፍሊ ስታትስቲክስ፣ ኣሮንን ሃብቶምን ብዝተባህሉ ክልተ ኣብረርቲ ንእትምራሕ ነፋሪት ጨውዩ ኣብ ስዑዲ ዑቅባ ከምዝሓተተ ይፍለጥ።

እቶም ፓይሎትን ነፋሪቶምን ናብ ኤርትራ ክምለሱ እንከለዉ፣ ሃለዋት ናይቲ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ነበር ግና ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብዚ 4 ዓመታት ሰለስተ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ክልተ ኣብ ኢጣልያ፣ ክልተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብድምር ሸውዓተ ፓሎታት ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ንትምህርትን ስልጠናን ካብ ዝተላእኩ10ታት ቴክኒሻናትን ኣባላት ስታፍን እቲ ሓይሊ ኣየር ብዘዝኸድዎ ዑቕባ ከምዝሓተቱ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ንምሕታት ክልተ ፓይሎታት ሒዞማ ንዝኸዱ ነፋሪት፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምምላሳ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ሓይሊ ኣየር፣ ሃብቶም ዝተባህለ ፓይሎት ነታ ነፋሪት ሒዙ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምላሱ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከብ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የረጋግጹ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0