ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን፣ ናብ ሱዳን ንዝገሹ ኤርትራውያን ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፍሉይ ወረቐት ከምጽኡ የገድድ

Radio Erena: 05 Januray 2016

Embassy Sudan

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን፣ ካብ ስዑዲ ናብ ሱዳን ንዝገሹ ኤርትራውያን ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፍሉይ ወረቐት ከምጽኡ ከምዝሕተቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ኤምባሲ፣ እዚ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘተግብሮ ዘሎ፣ ካብ ኤምባሲኦም ናይ ድጋፍ ወረቐት ከምጽኡ ዝጠልብ መስርሕ፣ ኤርትራውያን ንኤምባሲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ንክኸፍሉ ይተሓባበር ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ካብዚ ብዝበኣሰ ድማ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሱዳን ንዝገሹ ኤርትራውያን ኣቐዲሙ ክፈልጥን ንጭውያን ካልእ ግዳያት ስለያዊ ንጥፈታት ከቃልዑን ይገብር ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኤርትራን ሱዳንን፣ ካብ 2004 ኣትሒዘን ብዘካየድኦ ስምምዕ’ዩ፣ ኤምባሲ ሱዳን ናብ ሱዳን ንዝገሹ ኤርትራውያን ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ፍሉይ ወረቐት ከምጽኡ ዝሓትት

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ወርሒ ሓምለ 2017 ኣትሒዙ ግብራዊ ዝኸውን፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይ ወጻኢ ስድራ ወርሓዊ 100 ሪያል ስዑዲ ክኸፍል ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ምውጽኣ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ናብ ሱዳን ንምግዓዝ ናይ ነዊሕ ውጥን ከምዘለዎም’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ይእምቱ።

እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣውጺኣቶ ዘላ፣ ነፍሲ ወከፍ ተኣላዪ ኣባል ናይ ወጻኢ ስድራ ንወርሒ 100 ሪያል ክኽፈለሉ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ፣ በዚ ደው ከይበለ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሓደ ሚእቲ እናዛየደ ኣብ 2020 ዓ.ም ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ወርሓዊ 400 ሪያል ክበጽሕ’ዩ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0