ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጓሃሃረ ዓሌት ግጭት ብውህዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጓሃሃረ ዓሌት ግጭት ብውህዱ 14 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 April 2016

gam

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ጋምቤላ ኣብ ዝተጓሃሃረ ናይ ዓሌት ግጭት ብውሕዱ 14 ሰባት ከምዝተቀትሉ ሓያሎ ከኣ ከምዝቖሰሉን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቲ ብዓርቢ 22 ሚያዝያ ዝተፈጸመ ግጭት፣ ብኢትዮጵያዊ እትምራሕ ብዘይመንግስታዊ ትካል እትውነን መኪና፣ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተዓቝብሉ ከባቢ ካብ ዓሌት ኑዌር ንዝኾኑ ክልተ ቆልዑ ድሕሪ ምቕታላ’ዩ ተጎሃሂሩ።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝነብሩ ዓሌት ኑዌር፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብመኪና ዘጋጠሞ ሞተ ክልተ ቆልዑ፣ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን መጥቃዕቲ ብምፍጻም 11 ሰባት ቀቲሎም።

 

እዚ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃቲ ዘቖጠዖም፣ ካብ ዓሌት ኣኝዋክ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኑዌር ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተሉ ንኣባላት ጸጥታ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣቲ ማዕከን ዜና የረድእ።

ኣብቲ ንኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ዝርከቡ ዓሌታት ኑዌርን ኣኝዋክን ብናይ መጋሃጫ መሬት ዝምታ ጥሪትን ቀጻሊ ግጭታት ከምዘካይዱ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገሩ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውህዱ 208 ሰባት ከምዝተቐትሉን 75 ከኣ ከምዝቖሰሉን ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚንው እቶም ዕጡቓት ኣስታት 100 ቆልዑ ክጨወዩ እንከለዉ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ጥሪት ከኣ ዘሚቶም ተሰዊሮም ኣለዉ።
=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0