ኣብ ምቕታል ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝልዓለ ኢድ ዝጸንሖ ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ተቐቲሉ

ኣብ ምቕታል ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝልዓለ ኢድ ዝጸንሖ ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ተቐቲሉ

Radio Erena: 09 December 2015

Abu Nabil

ኣብ ምቕታል ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝልዓለ ኢድ ዝጸንሖ ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትለ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ናይ ዒራቕ መንነት ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኣቡ ናቢል ዝተባህለ መራሒ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ፣ ኣመሪካ ብዘካየደቶ ደብዳብ’ዩ ተቐቲሉ።

ንሱ፣ ኣብ ዒራቕ ናይ እትርከብ ሳላሕ ኣዲን ዝተባህለት ዞባ ዘመሓድር ዝነበረ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምቅዳቕ ሙዓመር ቐዛፊ፣ ኣብ ሊብያ ንዳዒሽ ንምምራሕ ናብታ ሃገር ከምዘምርሐ’ዩ ሰነዳቱ የርኢ።

 

ኣመሪካ፣ ነዚ ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ዳዒሽ ምዃኑ ዝተጸንዐ ዒራቓዊ ንምቕታል ካብ ነዊሕ መደብ ክትሕንጽጽ ከምዝጸንሐ ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ፒተር ኩክ የረድእ።

ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ጉጅለ ዳዒሽ ደብዳብ ከተካይድ ከምዝጸንሀት ብምርግጋጽ ከኣ፣ ንሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ከምዝቐተለት ኣረጋጊጻ።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ኣብ ሊብያ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብምጭዋይ፣ ን10ታት ኣመንቲ ክርስትና ከምዝሰየፎምን ንካልኦት ከኣ ከምዝረሸኖምን ኣይርሳዕን።

እቲ ጉጅለ ብዘይካ’ዚ ካብ ግብጺ ዝጨወዮም ኣመንቲ ክርስትና ብተመሳሳሊ ኣገባብ ቀቲሉ’ዩ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣመሪካ ብ’ዑካሽ” ንዝፍለጥ ዓብድራሕማን ሳንድረ ዝተባህለ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ከምዝቐተለት’ውን ኣፍሊጣ።

ኣልሸባብ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣሰር ኣልቓዒዳ ዶ ኣሰር ዳዒሽ ንስዓብ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ኣብ ክል ተገማሚዑ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0