ኣብ ማይሑጻን ካልእ ከባቢታትን “ክህነጸልኩም’ዩ” ዝተባለ መንበሪ ኣባይቲ ብምቁራጹ፣ ተጋደልቲ ነበር የማርሩ

ኣብ ማይሑጻን ካልእ ከባቢታትን “ክህነጸልኩም’ዩ” ዝተባለ መንበሪ ኣባይቲ ብምቁራጹ፣ ተጋደልቲ ነበር የማርሩ

Radio Erena: 04 March 2016

Asmara housing

ኣብ ማይ ሑጻን ካልእ ከባቢታትን ኣስመራ፣ ንገዳይም ተጋደልትን ቦንድ ንዝዓደጉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍን “ይህነጽልኩም” ኣሎ ዝብሃል ዝነበረ መንበሪ ኣባይቲ ተቋሪጹ።

እቲ ካብ 2005 ኣትሒዙ፣ ንተጋደልቲ በብደረጃ ግድምናኹም ይህነጸልኩም ኣሎ ዝብሃል ዝነበረ መንበሪ ኣባይቲ፣ ዝተቋረጸሉ ምኽንያት ብወግዒ ኣይተሓበሮምን።

እንተኾነ ኣብ ማይ ሑጻ፣ ወርቂ ስለዝተረኽበ፣ ኣብቲ ቦታ ብሰንኪ ዕደና መስርሕ ህንጻ መንበሪ ኣባይቲ ደው ከምዝበለን ኣብ ክንድኡ ኣብ ካልእ ቦታ ክስርሓልኩም’ዩ ዝብልን ወረ ‘ዩ ተናፊሱ።

 

ኣብ ማይተመናይ ከባቢ እንዳዘይቲ፣ ንተጋደልቲ ስኩላን ኵናት መንበሪ ኣባይቲ ክህንጸሎም’ዩ ተባሂሉ እምነ መሰረት ዝተነብሮ ህንጻ’ውን፣ ንስንኩላን ከምዘይተዓደልን ኣብ ክንድኡ ከኣ ኣብ ካልእ መዓለ ከምዝወዓለን ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ማይ ሑጻን ካልእ ከባቢታትን ኣስመራ፣ ንገዳይም ተጋደልትን ቦንድ ንዝዓደጉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍን ክህነጽ ዝተባህለ መንበሪ ኣባይቲ፣ ካብ ፈለምኡ ዝተሰናኸለሉ ምኽንያት፣ ዋሕዲ እኹል ናይ ህንጻ መሳርሒ’ዩ ይብሃል እኳ እንተነበረ፣ ሕጂ ከኣ “እቲ ቦታ ዕደና ስለዝተሓዝአ” ዝብል ጉልባብ ይወሃቦ ኣሎ።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት፣ ጀነራላት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ እሙናት ካድራትንን ሰለይትን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዘዝመረጽዎ ቪላታትን ሰርቪስን ክቐያይሩ፣ ዝበዝሑ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር፣ ስንኩላን ኵናትን ስድራቤት ስዉኣትን ግና ካብዚ ረብሓታት’ዚ ተገሊሎም ይነብሩ።

ኣብ ሓዝሓዝን ሰምበልን ኣብ ዝተሰርሐ መንበሪ ኣባይቲ ዝተዓደሉ ገዳይም ተጋደልቲ እኳ እንተለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ተረሲዖም ምህላዎም’ዮም ዘማርሩ።

ኣብ ከረን፣ ኣርባዕተ ደቀን ዝተሰውኡን ብዘይውሉድ ዝተረፋንን ኣደ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ተረሲዐን ብዘይመጽለሊ ኣብ ጎደና ተደርብየን ኣብ ዝነበራሉ፣ ብሓደ ኤርትራዊ ገበር ሰናይ መንበሪ ቤት ተሰሪሑለን ይነብራ ምህላወን ኣብ ኤሪ ቲቪ፣ መደብ መርሓባ ምቕርቡ ሓደ ካብ ብዙሕ ኣብነታት ምዃኑ’ውን ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ወገናት ኣዘኻኪሮም።

ጸገም መንበሪ ኣባይቲ፣ ንህዝቢ ዝዓበየ ብድሆ መነባብሮ ኮይኑ እናሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ዘዝነብርዎ ወጻኢ ሃገራት ናይ መንበሪ ጸገም ዘይብሎም ደገፍቱ፣ ብዶላርን ኤውሮን፣ ቪላን ሰርቪስን ክሃንጸልኩም’የ ምባሉ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀትን ብድዐን ዘርኢ ምዃኑ’ውን ኣተሓሳሲቦም።

እቲ መንግስቲ ነዞም ዝቐደሙ ህጹጽ መንበሪ ኣባይቲ ዘድልዮም ፣ ዝበዝሐ ዕድምኦም ኣብ ቃልሲ ዘሕለፉ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር፣ ስንኩላን ኵናትን ብዘይጠዋሪ ዝተረፉ ስድራቤት ስዉኣትን ዘይዘዘከረ፣ ብዘይዝኾነ ጻማ ንሓያሎ ዓመታት ብስም ሃገራዊ ኣገልግክሎት ሒዝዎም ንዘሎ መንእሰያት፣ “መንበሪ ቤት ክህነጸሎም መደብ ኣሎ፣” ዝብል ዘይትግበር መብጽዓታት ክኣቱ’ውን ይስማዕ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ዝተዓደለ ናይ ጤሳ መሬት፣ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ተሰሪሑ ንዝበሎ ኣማኢት መንበሪ ኣባይቲ ብዕናው፣ ስድራቤታት ብዘይ መጽለሊ ከምዘትረፈ ይዝከር።

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0