ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል 22 ስደተኛታት ሞይቶም

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል 22 ስደተኛታት ሞይቶም

Radio Erena: 22 July 2016

MSF

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ 22 ሰባት ሬሳታት ከምዝረኸበ ሓካይም ብዘይዶብ ኣፍሊጡ።

እቲ መራኽብ ብምውፋር ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፍ ዘሎ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ሓበሬትኡ፣ ብሮቡዕ 20 ሓምለ ካብ ዝጠሓላ ጃልቡ፣ 206 ስደተኛታት ከድሕን እንከሎ፣ ድሕሪ ከኣ ናይ 22 ሰባት ሬሳ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

እቲ ትካል፣ ኣብታ ዕለት እቲ ብድምር 567 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘድሓነን፣ ትማሊ ሓሙስ ከኣ ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ከምዘብጽሖምን ጠቒሱ።

 

ካብቶም ዝጠሓሉ 22 ሰባት እቲ ሓድ ወዲተባዕታይ ክኸውን እንከሎ እተን 21 ግና ደቂንስትዮ’የን።

ዜግነት እቶም ዝጠሓሉ ይኩን ድሒኖም ናብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝገዓዙ ስደተኛታት ኣይተሓበረን።

=============================

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0