ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓደ ኤርትራ ኣቦ ተቐቲሉ

ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓደ ኤርትራ ኣቦ ተቐቲሉ

Radio Erena: 05 December 2015

Calif

ኣብ ካሊፎርንያ፣ ሳን በርናርዲኖ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኢሳቕ ገብረስላሴ ኣማንዮስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣቦ ተቐቲሉ።

እቲ ብሮቡዕ 02 ታሕሳስ፣ ምሸት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ዘለዎም ሓንቲ ጓለነስተይቲ ምስ በዓል ቤታ ብሓባር ኣድራጋ ጠያይት ናብ ህዝቢ ብምፍናው ከምዝፈጸምዎ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐትሉ 14 ሰባት ከኣ እቲ ሓደ 60 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ኣቦ ክኸውን ክኸውን እንከሎ እቶም ሰለስተ ከኣ ዜጋታት ኢራን፣ ቬትናምን ሜክሲኮን ምንባሮም ክረጋገጽ ክኢሉ።

 

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰብ ሓዳር ከኣ ካብ ፓኪስታን ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ ጓለነስተይቲ ብመንገዲ ፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍቶ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንዳዒሽ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ምዃኑ ጠቒሳ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0