ኣብ መዓስከር ሸገረብ፣ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጭውያ፣ ንስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩ

ኣብ መዓስከር ሸገረብ ብኣባላት ጸጥታ መግስቲ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምጭዋይ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ፈጢሩሎም ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሜጀረ ሓጎስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ካብ ሃይፋ ጀዲዳ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተጨውየ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ነቲ ኣባል ሰራዊት ነበረ ዝጨወዩ ሰባት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኖም ኣንፊቶም።

 

ሜጀር ሓጎስ፣ ኣብቲ መዓስከር ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ናይ ህንጻ ስራሕ ተዋፊሩ ናብርኡ ኣብ ምምራሕ እኳ እንተነበረ፣ ናይ ኤርትራ ታርጋ ዘለዋ መኪና ዝተሰቕሉ ሰባት ናብቲ ዝሰርሓሉ ከባቢ ሃይፋ ጀዲዳ መጺኦም ከምዝወስድዎ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክR ብምጥቃስ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ምስ ኤርትራ ብምዕራባዊ ሸነኽ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ መዓስከር ሸገረብ፣ ንኤርራውያን ስደተኛታት ኣብ ርእስቲ’ቲ ብደላሎን ራሻይዳን ክፍጸም ዝጸንሐ መሸጣን ምስግጋርን፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ’ውን ዘዝድልይዎም ሰባት ክወስዱ ከምዝጸንሑ’ዩ ዝንገረሉ።

እቲ መዓስከር ሓደ ካብቲ ውሕስነት ዘይብሉ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ዝርከቡ መዓስከራት ስደተኛታት ኮይኑ፣ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ሱዳንን UNHCRን ውሕስነን ጸጥታን እቲ መዓስከር ክሕልዉ ብቀጻሊ’ዮም ዝጠርዑ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0