ኣብ መንጎ ኣልሸባብን ሰራዊት መንግስትን ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ መንጎ ኣልሸባብን ሰራዊት መንግስትን ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 March 2019

ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንጎ ኣልሸባብን ሰራዊት መንግስትን ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፣ ብዉሑዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብቀዳም 23 መጋቢት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ፣ ሓያሎ ኣባላት ኣልሸባብ፣ ሚኒስትሪ ዕዮ ኣብ ዝርከበሉ ህንጻ ድሕሪ ምእታው ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ እዩ ጀሚሩ።

ኣብቲ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ነፍሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ጀሚሩ ናብ ግጥም ተኹሲ ዝዓረገ ፍጻሜ፣ ምኽትል ሚኒስተር ዕዮ ዝርከቦም 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 11 ከኣ ከምዝቖሰሉ ኣሶሼትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዝርከብ ህንጻ ሚኒስትሪ ዕዮ ኣብ ላዕለዋይ ደርብታት ዝነበሩ ሰባት መሳልል ተጠቒሞም ብመስኮት እንተዘይምልጡ ኔሮም፣ እቲ ጉድኣት ኣዝዩ ዝገደደ ምኾነ ኔሩ ክብሉ ሰራሕተኛታት ቀዳማይ ረዲኤት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም።

ኣልሸባብ ተቖጻጺሩዎ ካብ ዝነበረ ሓያሎ ቦታታት ሶማል ካብ ዝጽረግ ንደሓር፣ መጥቃዕታቱ ኣብ ከተማታት ዝካየድ ሽበራዊ ንጥፈታትን ናይ ቃጻ መጥቃዕትን ኣተኲሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0