ኣብ መንጎ ሰራዊት መ.ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ኲናት ተወሊዑ

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተተግቢሩ ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ተጣሒሱ፣ ዳግማይ ኲናት ከምዝተወለዐ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ቆቦ ከምዝተወለዐ ዝንገረሉ ዘሎ ኲናት፣ ብወገን ህወሓት፣ ካብ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት ከምዝጀመረ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ብደቡባዊ ግንባር ዝጀመረ መጥቃዕቲ፣ ጸቕጢ ንምግባር ደኣ’ምበር፣ ቀንዲ ዕላማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገን ምዕራብ ዘድሃበ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፣ ብወገን ሓይልታት ትግራይ ከምዝተጣሕሰ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፣ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ዘሎ።
ድምጺ ከቢድ ብረት ካብ ረቡዕ ሰዓት 5 ወጋሕታ ይሰምዑ ከምዝነበሩ ንሮይተርስ ዝሓበሩ ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ፍይሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ምልሻ ፋኖን፣ ካብ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣትሒዞም ብኣውቶቡሳት ክጓረቱ ቀንዮም ክብሉ ቃሎም ሂቦም።
እዚ ብረቡዕ ወጋሕታ ጀሚሩ ከምዘሎ ዝግለጽ ዘሎ ኲናት እንተቐጺሉ፣ ነቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ጸኒዑ ዝጸንሐ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብወግዒ ዘፍርስ እዩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ’ታ ሃገር ኣመዛቢሉን፣ ንጥሜት ኣቃሊዑን ዝርከብ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ መንጎኛታት ኣትዮሞ ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ጻዕርታት ክግበር እኳ እንተጸንሐ፣ ብክልቲኦም ወገናት ናይ ሰላም ሸውሃት ከምዘይጸንሐ’ዩ ብዲፕሎማሰኛታት ዝወሃብ ዘሎ ትንታነ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0