ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ፈረንሳ ፍሉይ ጻዕርታት ከተካይድ’ያ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ፈረንሳ ፍሉይ ጻዕርታት ከተካይድ’ያ

Radio Erena: 11 March 2018

france amb_in_sudኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቱን ዘሎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ፈረንሳ ፍሉይ ጻዕርታት ከተካይድ ምዃና ገሊጻ።

ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሱዳን ኢማኑወል ብላትማን ትማሊ 10 መጋቢት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ምምሕዳር ፓሪስ ካብ መንግስቲ ሱዳን ብዝተገብረሉ ጻውዒት መሰረት፣ ነቲ ክጅምር ክቋረጽ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ሱዳን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ምፍትሑ ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ ሓቢራ።

ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ በዓልስልጣን መንግስቲ ሱዳን ሓሚድ ሙምታዝ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳን ዕጥቆም ከውርዱን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን ከገድዶም ጻውዒት ኣቕሪቡ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን ካብ ዕለት 13 ናይዚ ወርሒ’ዚ ጀሚሩ ንሳልስቲ ዝጸንሕ ዘተ ሰላም ኣብ ከተማ ፓሪስ ከካዪዱ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ ዘተ ብኣላዪነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጀመረ ዘተ ሰላም 2016 ቅርጺ ንምትሓዝን መርሓ ሕንጻጽ ንምውጻእን ክስርሓሉ ምዃኑ ዝሓበረት ኣምባሳደር ኢማኑወል፣ መንግስቲ ፈረንሳ’ውን ክሳተፎ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ፈረንሳ ንዕጡቓት ተቓወምቱ ትድግፍ እያ ዝብል ክሲ ብምቕራብ ምስታ ሃገር ዘለዎ ዝምድና ኣዛሕቲሉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት እዋን ግና ነቲ ዝምድና ንምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑ ይግለጽ።

ፈረንሳ ነቲ ብመንግስቲ ሱዳን ክቐርብ ዝጸንሐ ክሲ ናይ ኣሉታ መልሲ’ያ ክትህበሉ ጸንሓ።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0