ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምባል ናጽነት ኤርትራ ተሳቲፉ ናብ ዓዱ ዝተመልሰ ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ተቓውሞ ገጢምዎ

ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምባል ናጽነት ኤርትራ ተሳቲፉ ናብ ዓዱ ዝተመልሰ ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ተቓውሞ ገጢምዎ

Radio Erena: May 30, 2014

Mohamed Eila

ኣብ ሱዳን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣንጻር ምምሕዳር እቲ ዞባ ዝቀንዐ ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ።

ነብረቲ እቲ ዞባ ዝተፈለለያ ተቓውሞታት ከካይዱ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ መሓመድ ጣህር ኤላ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ሃያ ኣብ ዝተባህለ ኣዳራሽ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበረ እዋን፣ ሰለፍኛታት ንመደረኡ ብምቑራጽ ካብቲ ኣዳራሽ ክወጻእ ከምዘገደድዎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተወልዐ ናዕቢ ብኣባላት ጸጥታ ክሃድእ ከምዝኸኣለ’ውን ሬድዮ ዳባንጋ ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ መሕእመድ ጣህር ኤላ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ወኪሉ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ተሳቲፉ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተመልሰሉ ዕለት’ዩ እዚ ተቓውሞ ገጢምዎ።

ነበርቲ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ መንግስቲ ነቲ ንመነባብሮ ህዝቢ’ቲ ዞባ ብዙሕ ቆላሕታ ኣይገብረሉን ዘሎ ብምባል’ዮም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

 

ብፍላይ ኩነታት ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ዞባ ዘሻቐሎም ሓያሎ ነበርቲ ከባቢ ድየም ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ካብ ዝሕእለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ተቓውሞ ኣብ ምክያድ ‘ዮም ዝርከቡ።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ነበርቱ ብሕማቕ መነባብሮ ብምምራር ዝቓውሙ ዘለዉ መሓመድ ጣህር ኤላ፣ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምባል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተሳተፈሉ በቲ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ዞባ ወኪሉ ንትምህርቲ ዝኸውን ዝተፈላለየ ሓገዝ ከምዘበርከት ብማዕከን ዜና መንግስቲ ኤርትራ ተቓሊሑ’ዩ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0