ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ሓደ ደቡብ ሱዳናዊ ዲፕሎማሰኛ ብጾታዊ ዓመጽ ጓለንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

Radio Erena: 24 August 2022

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ሓደ ደቡብ ሱዳናዊ ዲፕሎማሰኛ ብጾታዊ ዓመጽ ጓለንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

ምንጭታት ፖሊስ ካብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እታ ነዚ ክሲ ዘቕረበት ጓለንስተይቲ፣ ከልቢ ከተዛውር ወጺኣ ኔራ ንገዛ ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት እዋን እዩ እቲ ደቡብ ሱዳናዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ተኸታቲሉ ምስኣ ኣትዩ።

ሒደት ሰዓታት ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ንፖሊስ ስለዝሓበረት፣ እቲ ቻርለስ ኦሊሃ ዝተባህለ ዲፕሎማሰኛ ብሰንበት 21 ነሓሰ፣ ኣብ ሰዓታት 11 ናይ ለይቲ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ተገሊጹ።

ቻርለስ ኦሊሃ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ተመዚዙ ንመንግስቱ ዘገልግል ዘሎ ብምዃኑ፣ ናይ ዲፕሎማሰኛ ውሕስነት ሓቲቱ፣ ንጽባሒቱ ንግሆ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።

እታ ስማ ዘይተገልጸ ግዳይ፣ መርመራ ክግበረላ፣ ኣብ ማንሃታን ናብ ዝርከብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ተወሲዳ ኣላ።

ነዚ ብዝምልከት ወኪል ደቡብ ሱዳን ኣብ ኒውዮርክ፣ ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ፣ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበን።

ፖሊስ ኒውዮርክ እንታይ ዓይነት ክሲ እዩ ክምስርት ንዝብል ሕቶ፣ ‘ገና ኣብ መርመራ ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ ሕጂ ዝግለጽ ጉዳይ ኣይኮነን’ ክብል ወሃብ ቃል ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፣ ኮሚሽነር ጁሊያን ፊሊፕ ኣፍሊጡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0