ኣብ ሓይሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ ህጻናት ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ይጥቕዑ

ኣብ ሓይሎ ከባቢታት ኤርትራ፣ ህጻናት ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ይጥቕዑ

Radio Erena: 01 March 2016

Mal

ኣብ ኤርትራ ሓይሎ ከባቢታት፣ ህጻናትን ቆልዑን ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ይሳቐዩን ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ገለ ከባቢታት’ውን ምስ ዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ብዝተሓሓዝ ህይወቶም ዝሓለፉ ህጻናት ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓደ ካብ ሸቶታት ሚለንዮም ዝኾነ ምክንካይ መጠነ ሞት ኣዴታት ዕሸላትን ጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ ይገክጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ብዙሓት ቆልዑ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ተጠቒዖም ምህላዎም ብተደጋጋሚ እዋን ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓያሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ኣብ ዝተጋነነ ጽልዋ ከምዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ ይገልጽ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዞባ ዓንሰባ ብፍላይ ከባቢታት ሃበሮ፣ ኣስማጥ ከምኡ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ከባቢታት ቅሮራ ብዓጸቦ ዝተጥቕዑ ስድራቤታትን ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዝሳቐዩ ህጻናትን ከምዘለዉ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነበርቲ እዚ ከባቢን ካልእ ብደርቂ ዝተጠቕዐ ከባቢታት ደቡብን ናብ ጋሽ ባርካ ብምውራድ ሕርሻዊ ንጥፈታት ከካይዱ መንግስቲ ክምዘገደዶም ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩነታት ደርቂ ዝተጋነነ ኣይኮነን ካብ ምባል ሓሊፉ ብሰነድን ቁጽርን ዝተሰነየ ጸብጻብ ከቕርብ ኣይክኣለን።

ንተዓዘብቲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብቲ ብተደጋጋሚ እዋን ብደርቂ ዝትቃዕ ከባቢታት ክበጽሑ ኣይፈቐደን።

ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ኪዮንግ ዋ ካንግ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኤርትር ዑደት ብምክያድ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ጽልዋን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዘራረበት ይዝከር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0