ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ

Radio Erena: 11 November 2016

UNSC

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ።

እቲ ባይቶ፣ ንጸብጻብ ተቆጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ድሕሪ ምስማዕ፣ እቲ ካብ 2009 ኣጥሕIዙ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ፣ ክሳብ ሕዳር 2017 ክናውሕ ወሲኑ።

ባይቶ ጸጥታ ብዘይካ’ዚ ንዕማም ተቖጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ክሳብ 15 ታሕሳስ 2017 ኣናዊሕዎ ኣሎ።

ሰለስተ ቀወምቲ ሸውዓተ ድማ ዘይቀወምቲ ብድምር 10 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ (ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፡ ጃፓን፡ ማሌዥያ፡ ኒውዝላንድ፡ ሴኔጋል፡ ስጳኛ፡ ዩክሬንን ኡራጋይን) እቲ እገዳ ክናዋሕ ክድግፋ እንከለዋ፣ ክልተ ቀወምቲ ሰለስተ ድማ ዘይቀወምቲ፣ ሓሙሽተ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ (ቻይና፡ ሩስያ፡ ቬኒዙዌላ፡ ግብጺን ኣንጎላን) ከኣ ናይ ደገፍ ይኹን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓል፣ ከካይዶ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከምዝፈሸለ ዘነጽር’ዩ።

ተቖጻጻሪት ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ምስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ ምትሕብባር ምክያደን ንውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ዝጥሕስ’ዩ ክትብል ገሊጻቶ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ፣ ምስ ዩክሬናውያን ደላሎን ኣሰጋገርትን ኣጽዋር ብምርኻብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ፣ መቀያየሪ ኣቝሑ ነፈርቲ ኵናት ክሽመት ጻዕርታት ከምዘካየደ፣ ጸብጻብ ተቖጻጻሪት ጉጅለ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኣልሸባብ ይተሓባበር ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይረኸበ ዝሓበረት እታ ጉጅለ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃዋኺ ተራ ይጻወት ምህላዉ ግና ዝተፈላለየ መርትዖታት ብምቕራብ ተረድእ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸኒዑ ዘሎ ከፊላዊ እገዳ’ውን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናውሑ፣ ኣብ 10 ሕዳር ኣብ ዝዘርግዕ ውሳኔ ኣፍሊጡ ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0