ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝጸንዐ ማዕቀብ ክለዓል፣ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ጸዊዖም

Radio Erena: 02 October 2022

ካብ 1992 ኣትሒዙ፤ ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክለዓል፤ መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ጸዊዖም።

እቶም መራሕቲ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረቡ፤ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደቱ ኣብ ዝዛዘመሉ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዩ።

መራሕቲ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ርክቦም፤ ኣብ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታን ምስልጣን ኣባላት ስለያን ጸጥታን ክጅምሩ ዝሓዘ ዝተፈላለየ ስምምዓት ከምዝፈረሙ፤ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒተር ኢትዮጵያ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ናይ ሓባር ጸላኢ ዝበልዎ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምምካት፤ ሶማል ቀዋሚ ሰራዊታ ብግቡእ ክዓጥቕ መታን፤ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማል ጸኒዑ ዘሎ ማዕቀብ ክለዓል ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም መራሕቲ ገሊጾም።

እንተኾነ እቲ ማዕቀብ ክለዓል፤ ፈለማ መንግስቲ ሶማል፤ ድልዱል ቅርጺን ኣቃውማን ዘለዎ ሰራዊት ክሃንጽ ኣለዎ፤ እንተዘይኮይኑ፤ ከበድቲ ኣጽዋር ኣብ ኢድ ኣልሸባብ እንተወዲቖም፤ ዝዓበየ ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል’ዩ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሻቕሎቶም ይገልጹ።

ንጉዳይ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ሶማል ኣብ ጎድኒ ግብጺ ምውጋና፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዝጸንሐ ዝገልጹ ተዓዘብቲ፤ እዚ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ተገይሩ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ተስፋ ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።

ኣብቲ ስምምዕ ምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራት ንምውጋድ፤ ሃገራት’ቲ ዞባ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ስምምዕን ምትሕግጋዝን ከምዘድልየን ተረዳዲኦም። ሃገራት ምዕራብ ንረብሓታተን ኣማእኪለን ዝገብርኦ ምትእትታው፤ ንውሳነታትና ዘነኣእስ’ዩ ዝብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፤ ምትሕግጋዝ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ብዕቱብ ክስራሓሉ ጸዊዑ።

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ከባቢ 5 ሽሕ መንእሰያት ሶማል ናብ ሃገሮም ክምለሱ፤ ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ኣብዚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘንኡ ዘካየዶ ርክብ ተላዒሉ ንምንባሩ ዝእንፍት ሓበሬታ ዛጊት ኣይተዋህበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0