ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ

Radio Erena: 30 October, 2014

UN sanction

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ዓመት ኣናዊሕዎ።

እቲ ባይቶ ነዚ ዝወሰነ፣ ዕማም ናይቲ ንኤርትራን ሶማልን ዝቖጻጸር ጉጅለ እቲ ውድብ ንተወሳኽI ሓደ ዓመት ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ’ዩ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ወትሃደራዊ ደገፍ ይገብረሉ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይረኸበ ኣብ ጸብጻቡ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ጉጅለታት ናይ ምሕጋዝ ተኽእሎ ክህልዎ ከምዝኽእል ግን ኣንፊቱ’ዩ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሓደ ካብ ጠንቕታት እገዳ ዝኾነ ምስሕሓብ ምስጅቡቲ ንኸይፍታሕ፣ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ምሕባር ብምሕንጋዱ’ውን እቲ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝተወሰነ።

ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብቲ ውድብን ማርክ ልያል ግራንት፣ እቲ እገዳ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክልዓለሉ እቲ ውሳኔ ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ክተሓባበር’ውን ጸዊዑ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ሓበሬታ ናይ ምእካብን መጽናዕት መስርሕ ከካይድ ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተተ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝነጸጎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ዘሎ ዕማማ ናይቲ ጉጅለ’ውን መጽናዕቱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኸካይድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ክገብር ጸዊዑ እኳ እንተሎ፣ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህበን።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ’ውን ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር ሸመተን ቁጠባውን እገዳ፣ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠቕ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ብሰንኪ ባይቶ ጸጥታ ዘንበሮ እገዳ’ዩ ዝብል ወረ ይነዝሕ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0