ኣብ ሊብያ ሰለስተ ኤርትራዊያን ተቐቲሎም

ሓለውቲ ናይቲ ስደተኛታት ተዓቝቦሙሉ ዝረከብ መዓስከር ሊብያ፣ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ሰለስተ ኤርትራውያን ከምዝቐተሉ ዘጋርድያን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ናብ ምብራቕ ሸነኽ ዝርከብ መዓስከር ሖምስ ዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦሙሉ ዘለዉ መዓስከር፣ ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንምቅዋም፣ ደቂንስትዮ ኣድማ ድሕሪ ምክያደን፣ እቶም ኣብ ሓለዋ ናይቲ መዓስከር ዝነበሩ ሚሊሻ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ’ዩ እቶም ሰለስተ ኤርራውያን ተቐቲሎም። ብዘይካ’ቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝተቐትሉ፣ ካልኦት ሓይሎ ከምዝቖሰለዉን ተሓቢሩ።
ንኩነታት ስደተኛታት ዝከተተሉ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ካብ ኣጀንሲያ ሓበሻ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቶም ን ዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዘለዎ ዝግለጽ መዓስከር ስደተኛታት ሖምስ ናይ ሊብያ ሰለስተ ነፍሰጾራት ዝርከብኦም ኣስታት 150 ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0