ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ንኽቐውም ብኢጣልያ ዝቐረብ እማመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ

ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ንኽቐውም ብኢጣልያ ዝቐረብ እማመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ

Radio Erena: 13 June, 2014

Libya refugee

ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ክቐውም ብኢጣልያ ዝቐረበ እማመ፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ።

ብዋሕዚ ኣሽሓት ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ክቐውም ደጋጊማ ክትጽውዕ ምጽናሓ ዝፍለጥ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማትዮ ሬንዚ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ትማሊ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሊብያ ዘሎ ፍኑው ኩነታት  ንኢጣልያ ግዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ጌርዋ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ ነዚ ንምግታእ ድማ ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ምቛም ከምዘድሊ ተጣቢቑ።

 

ድሕሪ ምውዳቕ ሙዓመር ቐዛፊ፣ ሊብያ ኣይኮነን ዶ ኩነታት ስደተኛታት ንምክትታልል፣ ጸጥታ እታ ሃገር ንምውሓስ ዘኽእል መንግስቲ ንምትካል’ውን ኣይከኣለትን ዘላ።

ኢጣልያ ድሕሪ ሓደጋ ላምፔዱሳ፣ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን መስርሕ ካብ እትጅምር ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 26 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ውሒዞም ኣለዉ።

ይኹን’ምበር መብዛሕቶም እቶም ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ጉዕዝኦም ናብተን ዝሓሸ መነባብሮ ዘለወን ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ከምዝቕጽሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መዘራረቢ ኣርእስታት ሜድያ ኤውሮጳ ኮይኑ ከምዘሎ በብዕለቱ ዝቀረብ ጸብጻባት ዜና የመልክት።

==================================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0