ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ኣብ መቐለ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 February 2017

Ethio Sud

ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ካብ 14 ክሳብ 16 ለካቲትኣብ መቐለ ተኻይዱ።

እቲ መበል 18 ስሩዕ ዋዕላ ምዃኑ ዝተነግረ፣ ርክብ ኮሚተ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት እዘን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ፣ ኣቑሑ፣ ንግዲን ሕርሻን ብምትኳር ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ፣ ካብ ወገን ሱዳን ወከልቲ ዞባታት ገዳርፍ፣ ብሉ ናይል፣ ሰናርን ከሰላን ካብ ወገን ኢትዮጵያ ድማ ወከልቲ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ክሳተፉ ምዃኖም ኣመሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ ሙርቓኒ ሳልሕ ስዒድ ኣሕመድ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ቃለ- መጠይቕ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ንህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምልከት ዘተ፣ ጉዳይ ናይቲ ብኢትዮጵያውያን ምልሻ ዝተመንዝዐ ናይ ሕርሻ መሬት ሱዳን ናብ ዋናታቱ ንምምላሱ፣ ክዘራረብሉ ምኳኖም ጠቒሱ።

ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ ዞባ ገዳርፍ፣ ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣል ፋሻጋ ብቐጻሊ ከምዝሰሓሓቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ፣ ንኣማኢት ሱዳናውያን ሓረስቶት ብሓይሊ ብረት ካብ ቦትኦም ከምዝግዕዙ ምግባሮም ንመንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ከምዘዘራረበ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብዝገበሮ ስምምዕ፣ ንገለ ክፋል ናይቲ መሬት ናብ ሱዳናውያን ሓረስቶት ክመልሶ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዘለዓዓለ ኣይርሳዕን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0