‘ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምሕረት ተገይሩሎም ዝተባህሉ ሰበስልጣን ህወሓት፣ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም’: ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 06 February 2022

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምሕረት ተገይሩሎም ዝተባህሉ ሰበስልጣን ህወሓት፣ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ እዮም፣ ክብል ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ሽበራውያን ዝሰመዮም ውልቀሰባት፣ ብዘይኣፍልጦና ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈንዮም ዝብል ጥርዓን ኣብ ዘቕረቡሉ ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝተገብረሉ ጸቕጢ ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ቀንዲ ተቓናቓኒኡ ህወሓት፣ ዘቕረቦም ጠለባት እንተዘተማሊኦም፣ እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ከይተጀመረ ፍሹል ከምዝኸውን ብተደጋጋሚ ከፍልጥ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብዚ ክልተ ዓመት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰበስልጣን ህወሓት ብፈደራላዊ መንግስቲ ምሕረት ተገይሩሎም ምስተባህለ፣ ኣብ መንጎ ወከልቲ ህዝቢ እቲ መንግስቲ ናይ ኣረኣእያ ምግምማዕ ተራእዩ እዩ።
ገለ ኣባላት’ቲ ባይቶ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ብዓብላሊ ድምጺ ከም ሽበራውያን ዝገለጾም ውልቀሰባት፣ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ናጻ ክሰዶም፣ ንስልጣን’ቲ ባይቶ ዘነኣእስ እዩ ክብሉ’ዮም ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዘለዉ።
ሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢሞተዎስ ንወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቶም ኣባላት ህወሓት ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ብቐጥታን ብተዛዋዋሪን ክሳተፉ ስለዝኾኑ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኦም፣ ከም ምልክት ሰላም ክረአ ይግባእ ኢሉ።
ተጻብኦታት ደው ክብል፣ ረዲኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክወጹ፣ ዝብሉ ነጥብታት ገለ ካብቶም ሓይልታት ትግራይ ዘቕርብዎም ዘለዉ ቅድመ ኩነት እዮም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0