ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰምበት ጥራይ ልዕሊ 4,500 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰምበት ጥራይ ልዕሊ 4,500 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም

Radio Erena: 04 May 2015

rescዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋታትን ገኒኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰምበት ጥራይ ልዕሊ 4,500 ሰባት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዝደሓኑ ተገሊጹ።

ካብዞም ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝሓለኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ 10 ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣመልኪቱ።

ሸውዓተ ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት፣ ኣብ ክልተ ጀላቡ ዝነበሩ ኮይኖም ካብ ጻዕቂ ሰባት ዝተላዕለ ብሕጽረት እስትንፋስ ዝሞቱ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰለስተ ከኣ ናብተን ንረዲኤት ዝመጻ ጀላቡ ክሰግሩ ክብሉ ዝጠሓሉ እዮም።

 

ዝበዝሑ ካብ’ዞም 4,500 ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያ፣ ሶማልያን ኣፍጋኒስታንን ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሲሲሊ ከምዝግዕዙ ሰበስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም።

ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ብወገኑ ክሳብ ሰምበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 530 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰምበት ኣብ ዝነበረ ናይ ህይወት ኣድሕን መስርሕ፣ ፈረንሳን ጀርመንን እውን ሓይሊ ባሕሪ ብምውፋር ከምዝተሳተፋ ይፍለጥ። ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ልዕሊ 217 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓን፣ ናብ ሰበስልጣን ኢጣልያ ከምዘረከቦም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ልዕሊ 800 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም እኳ እንተሰኣኑ፣ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ከህድኦ ኣይከኣለን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0