ኣብዚ እዋን፣ ኣብ ዓለምና፣ 37.9 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ-ኤይድስ ይነብሩ

Radio Erena: 02 December 2019

ኣብ 2018፣ ብደረጃ ዓለም1.7 ሚልዮን ሰባት ብሕማም ኤችኣይቪ-ኤይድስ ከምዝተለኽፉ ውድን ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብታ ዓመት እቲ ድማ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እዚ ሕማም ሞይቶም።

እቲ ውድብ ፣ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ኤይድስ ብ1 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ዓመት፣ በዚ ቫይተስ ናይ ዝልከፉ ብዝሒ ሰባት ናብ ትሕቲ ፍርቂ ሚልዮን ንምውራዱ ዝተገብረ ጻዕርታት ከምዘይተዓወተ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ካብ 2010 ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ 10 ዓመታት፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ብ28% ከምዝጎደለ ኣመልኪቱ።

ምስፍሕፋሕ ኤቭኣይቪ-ኤይድስ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናጎደለ ይመጽእ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ሕጂ’ውን ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ከኣ ኣገንዚቡ።

ብደረጃ ዓለም 37.9 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ክነብሩ እንከለዉ እቶም 25.7 ሚልዮን ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝነበሩ ሰነድ ውድብ ጥዕና ዓለም የነጽር።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሕ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ንምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ብ70% ከምዝገትኣቶ ትገልጽ እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 13 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝልከፉን ተመሳሳሊ ቁጽሪ ድማ ብሰንኩ ከምዝሞቱን እቲ ሰነደ ይጠቅስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ምስቲ ሕማም ይነብሩ።

እንተኾነ እቶም ልዕሊ 400 ሽሕ ምስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ንምንባር ዝሕግዝ መድሃኒት ከምዘይረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይገልጽ።

እቲ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ንምድሓን ሓጋዚ ኮይኑ ዘሎ፣ anti-retroviral ዝተሰምየ መድሃኒት፣ ብሓገዝ ውድብ ጥዕና ዓለም ካልኦት መሻርኽቲን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝዕደል።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0