ኣብዚ ሰሙን’ዚ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከቦ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓያል ዝናብ ክወርድ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 16 September 2020

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓያል ዝናብ ክወርድ ከምዝኽእል ጸብጻባት ኣህጉራዊ ሜትዮሮሊጂ ተተንብዩ።

ብመሰረት እቲ ዝቐርብ ዘሎ ትንበያ፣ እቲ ክወርድ ተገኒቱ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ፣ ዕልቕልቕል ፈጢሩ፣ ኣብ ሰንብ ንብረትን ጉድኣት ከውርድ ስለዝኽእል፣ እዘን ሃገራት ጥንቃቐታት ክገብራ የዘኻኽር።

ኣብዚ ክሳብ 23 መስከረም ክቕጽል ከምዝኽእል ተገሚቱ ዘሎ ዝናብ፣ ንደቡባውን ምዕራባውን ክፋል ኤርትራ ዝሸፈነ’ዩ።

እቲ ዝወርድ ዝናብ ብዘይካ’ቲ ከውርድኦ ዝኽእል ቀጥታዊ ሓደጋ፣ ንምፍራይ ኣንበጣ’ውን ስለዘተባብዕ፣ እቲ ዞባ ንትወሳኺ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክቃላዖ ከምዝኽእል’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ሓያሎ ዝናብ ይወርድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ከቢድ ሃገራዊ ሓደጋ ኣስዒቡ ይርከብ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    ግርማይ 4 years ago

    ERENA
    ኩሉ ግዝያውን ሓቀኛን እተቅርብዎ መደባትኩም ኣድናቖት ኣሎኒ ቀጽልዎ።

  • comment-avatar
    Tekleweini 4 years ago

    Kab lbi aye zednkekum beta kankana gerkum keteredeana tkalesu zelekum lbawi msgana yntsehakum.