ኣብቲ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ደው ንምባሉ ሓድሽ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣብቲ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ደው ንምባሉ ሓድሽ መደብ ወጺኡ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: January 16, 2014

 

UNHCR

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM)፣ ኣብቲ ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምሻጥን ደቂ ሰብ ንምግትኡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብምትሕብባር ይሰርሑ ምህላዎም ኣፍሊጦም።

እቶም ክልተ ኣህጉራውያን ትካላት ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ካብ ኤርትራ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብብዝሒ ይጭወዩን ይሽየጡን ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፣ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር እዚ ደው ንምባሉ ሓድሽ መደባት ሓንጺጾም ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጾም።

 

ገለ ካብቲ ክስርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ መደባት፣ ንሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምጥንኻር፣ ንቕሓት ናይቶም ዶባ ዝሰግሩ ኤርትራውያንን ካልኦትን ምዕባይ፣ ግዳያት ናይዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ንዝኾኑ ነበርቲ እቲ መዓስከራት ድማ ስነ ኣእምሮኣውን ካልእን ደገፍ ምግባር ዝብል ይርከቡ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብቲ ኣውራ ምጭዋይን ምስግጋርን ዝርኣየሉ ዘሎ መዓስከራት ስደተኛታት ብዝሒ ኣባላት ዘለዎ ተወሰኽቲ ነቑጣታት ፖሊስን ክህሉ ዝብል እማመ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።

ነዚ ሓድሽ መደብ ንምልላይን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ’ውን ኣባላት ኮሚሽን ስደተኛታት፣ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታ ሱዳን፣ ሓገግቲ ኣካላት፣ ደያኑ፣ በርጌሳውያን ማሕበራት ወከልቲ ስደተኛታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ከምዝተኻየደ መግለጺ እቶም ትካላት ይሕብር።

እዚ ኣብ ዶባ ሱዳንን ኤርትራን ዝርአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ደው ንምባል ተሓንጺጹ ዘሎ ሓድሽ መደብ፣ መንግስታት ጀርመን፣ ኔዘርላንድስ፣ ስዊዘርላንድን ኣመሪካን ነዚ ዕላማ’ዚ ብዝለገስዎ ሓገዝ’ዩ ዝትግበር ዘሎ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ፣ ኣብ ዓመተ 2012 ኣዝዩ ዝገነነሉ ዓመት ምንባሩ ዝሓበረ መግለጺ እቶም ትካላት፣ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት እቲ 324 ሰባት ክጭወዩ እንከለዉ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2013 ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝተጨውዩ ብዝሒ ሰባት 89’ዩ ኔሩ።

እዚ ድማ ምስ ንቕሓት፣ ኣፍልጦን ተሳትፎን መላእ ሕብረተሰብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎደለ ክመጽእ ተኽእሎ ከምዘሎ እቶም ትካላት ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።
==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0