ኣባል ባይቶ ኒውዚላንድ ካብ ድኳናት ክዳውንቲ፡ ሰሪቓ ተባሂላ

Radio Erena: Wednesday 17, January 2024

ሓንቲ ኣባል ባይቶ ኒውዚላንድ፡ ብተደጋጋሚ ክስታት ስርቂ ስልጣና ከምዝለቐቐት ሲሲቲቪ ሓቢሩ።

እታ ጎልሪዝ ጋህራማን ዝተባህለት ካብ ሓምላይ ሰልፊ ዝኾነት በዓልቲ ስልጣን፡ ካብ ክልተ ድኳናት ክዳውንቲ ሰለስተ ግዜ ሰሪቓ ተባሂላ ተኸሲሳ።

ንሳ ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ 2017 ፋልመይቲ ስደተኛ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ታሪኽ ከምዝሰርሐት ይፍለጥ።

ንሳ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ጸቕጢ ፍጹም ካብ ባህሪኣ ወጻኢ ዝኾነ ባህሪ ክህልዋ ከም ዝገበራ ብምሕባር ንኹሎም ደገፍታ ይቕሬታ ሓቲታ።

ጋህራማን ብንእስነታ ምስ ስድራኣ ካብ ኢራን ሃዲማ፡ ኣብ ኒውዚላንድ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋሂብዋ።

እዚ ትማሊ ሰሉስ ካብ ስልጣና ክትእለ ዘገደደ ፍጻሜ ድማ፡ ካብ ሓደ ኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ቡቲክ ቦርሳ ክትወስድ ከላ ዘርኢ ስእሊ ሲሲቲቪ ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ።

ጋህራማን፡ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ተግባራታ ካብቲ ህዝቢ ካብ ዝተመርጹ ወከልቲ ዝጽበዮ ዝነበረ “ዝወረደ`ዩ” ብምባል ዓሌታዊ ፍልልይ ዝመበገሲኡ ካብታ ናብ ባይቶ ዝተመርጸትላ መዓልቲ ጀሚራ ዳርጋ ቀጻሊ ምፍርራሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ዓመጽ፡ ናይ ሞት ምፍርራሕ” ከምዝበጽሓ ገሊጻ።

እዚ ዘስዓቦ ድማ ኣብ ስርሓ ዓቢ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ከምዝፈጠረላ ብምሕባር እዚ ዝገበረቶ ፈተነ ስርቂ ናይ ኩሉ ዝወረዳ ጉድ ኣት ኣሉታዊ ሳዕቤን ሙዃኑ ትሕብር።

መራሒ ሓምላይ ሰልፊ ጀምስ ሻው፡ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ጋህራማን ካብታ ናብ ባይቶ ዝተመርጸትላ መዓልቲ ጀሚራ ዳርጋ ቀጻሊ ምፍርራሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣካላዊ ዓመጽ፡ ናይ ሞት ምፍርራሕ ከምዝበጽሓ መስኪሩ።

“ኣብቲ ኣባል ባይቶ ዝነበረትሉ እዋን ዳርጋ ምሉእ ግዜ ኣብቶም ስግኣታት መርመራታት ፖሊስ ተኻይዱ’ዩ፡ ስለዚ ርዱእ’ዩ ምስቲ ድሮ ኣዝዩ ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ትነብር እንተኾንካ ሽዑ ሳዕቤን ክህሉ’ዩ።” ብምባል እቲ ዘካየደቶ ፈተነ ስርቂ ብጸቕጢ ናይ ኣእምሮ ዝተደፋፈአ ክኸውን ከም ዝኽእል ስግኣታቱ ይገልጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0