ኣሽሓት ነበርቲ ጎንደር ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ

ኣሽሓት ነበርቲ ጎንደር ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ

Radio Erena: 01 August 2016

Gonder

ኣሽሓት ተወላዶ ጎንደር፣ ብሰንበት 31 ሓምለ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ናይ ኢህወደግ ኣርማ ዘይብላ ባንዴራ ብምሓዝ ንከተማ ጎንደር ዘዕለቕለቑዋ ተወላዶ ጎንደር፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፣ ህዝቢ ወልቃይት ካብ ክልል ትግራይ ክፍለ’ውን ከምዝጸውዑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ሰለፈኛታት ብዘይካ’ዚ፣ ብወያነ ዝተዓብለለ’ዩ ንዝበልዎ መንግስቲ ኢህወደግ ከበቕዕን፣ እሱራት ክፍትሑን ካልእን ዝብል ጭርሖታት’ውን ኣልዒሎም።

 

እዚ ትማሊ ህዝቢ ጎንደር ዘካየዶ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ነቲ ብዝህቢ ኦሮሞ ዝተኻየደን ጸጸኒሑ ፈኸም ዝብል ዘሎ ተቓውሞታትን ዘለዎ ደገፍ’ውን ንምግላጽ ምዃኑ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ኦሮሞ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፣ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኣህጉራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ከምዝነቐፍዎ ይፍለጥ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0