ኣስታት 10 ካብ ኣባላት ሃ/ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ድማ “ብግዴታ ናብ ዓዶም ክመልሶም’የ፣” ይብል

ኣስታት 10 ካብ ኣባላት ሃ/ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቦትስዋና ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ድማ “ብግዴታ ናብ ዓዶም ክመልሶም’የ፣” ይብል

Radio Erena: 14 October 2015

10 players

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትማሊ 13 ጥቅምቲ 2015 ምሸት ኣብ ቦትስዋና ከተማ ፍራንሲስታውን ኣብ ዘካየደቶ ናይ መልሲ ግጥም 3 ብ1 ተሳዒራ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ዋንጫ ዓለም 2018 ንምሕላፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መጻረዩ ግጥማት፣ ምስ ቦትስዋና ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ፈለማ ርክባ፣ ኣብ ኣስመራ 2 ብ0 ተሳዒራ ምንባራ’ውን ይዝከር።

10 ተጻወቲ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝተንጸንበርዋ 34 ኣባላት ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብድምር 5 ብ1 ተሳዒራ ኣላ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ቦትስዋና ኣብ ዘምርሐትሉ እዋን’ውን ከተምዝግቦ ካብ እትኽእል ኣንጸባራቒ ዓወት ንላዕሊ ህድማ ተጻወቲ ከየጋጥማ’ዩ ተሰጊኡ።

ካብ ቦትስዋና ዝመተሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ድማ ኣስታት 10 ዝኾኑ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደለዩን።

እንተኾነ መንግስቲ ቦትስዋና ብሓይሊ ናብ ዓዶም ክመልሶም ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ተጻወቲ ንግሆ ክብገሱ እኳ እንተነበሮም፣ ክተርፉ ስለዝወሰኑ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣይተረኽቡን። 

መንግስቲ እታ ሃገር ብዝገብርሎም ዘሎ ጸቕጢ ሎሚ ናይ ምሽት ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ብግዴታ ክብገሱ ምዃኖም’ውን ማዕከናት ዜና ካብ ቦትስዋና ይሕብራ።

ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘካየደቶ ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ ከምዘይትፈልጥ’ውን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ -ፊፋ ይሕብር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0