ኣስመራ፣ ዝተበላሸወ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ዕዳጋ ይቐረብ ብምህላዉ ኣብ ህዝቢ መረረ ይፈጥር

Radio Erena: 16 October 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ድሕሪ ዝገበሮ ደረት ዋጋታት፣ ዕዳጋታት ኮሚደርን ሽጉርትን፣ ምምዝባዕ ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ድሕሪ’ቲ ዝተገብረ ደረት ዋጋታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ መኽዘናት ተሓቢኡ ዝጸንሐ ከም ኮሚደርን ሽጉርትን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት፣ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ብዝገበሮ ዘሎ ጸቕጢ፣ ነጋዶ ናብ ዕዳጋ የቅርብዎ እኳ እንተለዉ፣ መብዛሕትኡ ዝተበላሸወን ዝመሽመሸን ምዃኑ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ዘመልክት።

ምስ ተበግሶ ሰላምን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋጋታቱ ብመጠኑ ተረጋጊኡ ዝጸንሐ ሃለኽቲ ነገራት ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዘሎ ኩነታት ዕዳጋን መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊን ብዘይዛመድ ምልክዑ’ዩ ንሂሩ ዘሎ።

እንተኾነ መንግስቲ ደረት መሸጣ ዋጋታት ከብትን ጤሌ-በጊዕን፣ ስጋ፣ ከምኡ ድማ ሽጉርትን ኮሚደረን ከይተረፍ ድሕሪ ምስልዑ፣ በቲ ዝተሰልዐ መጠን ኣይሸጥኩምን ተባሂሎም ተደጋጋሚ ጸቕጢ ዝግበረሎም ነጋዶ፣ ዘለዎም ቀረባት ምሕባእ ኣብ ኣስመራ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዚኡ ክሃልኽ ዝነበሮ ከም ኮሚደረን ሽጉርትን ዝኣመሰለ መግብታት በስገዳድ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ናብ ህዝቢ እኳ እንተቐረብዎ መብዛሕትኡ ብምቕማጥ ዝተበላሸወ ምዃኑ’ዩ ዝጥቀስ።

ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናናሃረ ንዝመጽእ ዘሎ ዋጋታት መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ንምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ፣ ዋጋታት ዝውስን ምልክታታት በብግዚኡ እኳ ዘውጽእ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተመሓተሸ ነገር የለን።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት እዚ ውን መንግስቲ ዋጋታት ጥሪት ወሲኑ ከም ዝነበረ ዝፍለጥዩ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ብዝወሰኖ ዋጋ ኣይሸጥኩምን ዝተባህሉ ሓያሎ ነጋዶ ከብትን ጠለበጊዕን ከምዝተሃገሩ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ኣይርሳዕን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0