ኣስመራ፣ ናይ ውሸባ ግዜ ካብ ዝተኣወጀሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ማይ ዘይረኸበ ከባቢታት ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 April 2020

ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ኣብ ኤርትራ ናይ ውሸባ ግዜ ካብ ዝእወጅ፣ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ እዛ ስቱድዮ ዝኣተናላ ሰዓት፣ ኣገልግሎት ማይ ዘይረኸበ ከባቢታት ኣስመራ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ኣኽርያ፣ ሓድሽ ዓዲ፣ መድሽቶ፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ከባቢታት ኣባሻውል፣ ኣርባዕተ ኣስመራን ከባቢ ገጀረትን ጎዳይፍን ኣብ ዝርከብ ገለ ክፋል ከባቢታት፣ ብሻምብቆታት ይኹን ብቦጣን ዝዕደል ማይ ካብ ዘይረክብ ልዕሊ ሰሙኑ ኣሕሊፉ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ኮረና ቫይረስ ንምክልኻል ቀዳማይ ስጉምቲ ምሕጻብ ኣእዳው ምዃኑ ጎስጓስ የካየድ እኳ እንተሎ፣ ኣብዚ ዝተጠቅሰ ከባቢታትን ካልእን ግና ህዝቢ ኣይኮነን ንኢዱ መሕጸቢ፣ ንመግቢን መዓልታዊ ኣገልግሎታትን ተሸጊሩ ይርከብ።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ’ውን ነዊሕ ሰዓታት ዝቛረጸሉ ግዜ ስለዝበዝሕ፣ መነባብሮ እቲ ተወሸብ ዝባህል ዘሎ ህዝቢ ከቢድ ምህላዉ’ዮም እቶም ነዚ ሓበሬታ ዘርድኡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መግቢ ንምሽማት፣ ንምጥሓን ይኹን ካልእ ዕለታዊ ናብራ ንምምራሕ ዘድሊ መሰረታዊ ጉዳያት ንምስላጥ፣ ንሓደ ኣባል ስድራ፣ ካብ ምምሕዳር መንቀሳቐሲ ፍቓድ ከውጽእ ስለዘለዎ፣ እዚ ንባዕሉ’ውን ካልእ መሰናኽል ፈጢሩ ከምዘሎ’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ “ኣረጋውያን ሰበ ስልጣናትና ቅድሚ ሰቦም’ዮም ተወሺቦም” ኣናበለ ህዝቢ ዘባጭወሎም ዘሎ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ይኹን ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ብፍላይ ሚኒስተር ጥዕና፣ ዛጊት ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኮረና ቫይረስን ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ጥዕናን ማሕበረ ቁጠባዊ ብድሆታትን ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

ብኣንጻር እዚ፣ ወከልቲ ህግደፍ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝቢ፣ ናይ ኮረና ቫይረስ ክኸፍል የገድዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0