ኣርተ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባርት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ መከራታትን ዘተኮረ መደብ ኣቕሪቡ

ኣርተ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባርት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ መከራታትን ዘተኮረ መደብ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 12 September, 2014

Arte

ስደት ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቋንቋታት ፈረንሳንን ጀርመንን እትፍኖ መደበር ቴሌቪዥን ኣርተ፣ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ሲናይ ንዘጋጥሞም ጸገማትን ዘተኮረ መደብ ኣቕሪቡ።

እቲ ኣብ ኤውሮጳ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደበራት ቴሌኢዥን ዝኾነ ኣርተ፣ ኣብቲ ብ9 መስከረም ምሸት 28 ደቃይቕ ኣብ ዝብል መደብ ዘቕርቦ ትሕዝቶ፣ ኣብ ሲናይ ተጓዒዘን ንኩነታት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘንጸባርቕ ዶክመንታሪ ፊልም ንዝሰርሓ ክልተ ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስቱድዮ ዓዲሙ’ውን ኣዛትዩወን።

 

እተን ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት፣ ነቲ ዶኩመንታሪ መደብ ምስ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ሜሮን እስጢፋኖስ ብምትሕብባር ከምዘዳለውኦ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ካብ ሕሱም ምልኪ ክሃድሙ ኣብ ዘይወደቕዎ መከራ ከምዘየለ’ውን ብዓይነ ንዝተዓዘብኦ ሓቕታት ቃለ ምስክርነተን ሂበን።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዓቢ መዘራረቢ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መደበራት ቴሌቪዥን ፈረንሳ ብቀጻሊ ካብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ኣርእስታት ዜና ኮይኑ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ሃገራዊ ቴሌቪዥን ፈረሳን ቻነል 5፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኤርትራውያን ብዝምልከት ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝጸንሐ ዘተ ከምዘካየደት ብሬድዮ ኤረና ምግልጻና ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0