ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ ኣስታት 100 ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ይገልጹ

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ናይ ሊብያ፣ ኣስታት 100 ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ይገልጹ

Radio Erena: 21 April 2015

ISISethioER

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሚእቲ 100 ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ 30 ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ዝሰየፈሉን ዝረሸነሉን ዘስካሕክሕ ፍጻሜ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብታ ሃገር ብህጹጽ ክወጹ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ።

 

እቶም ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ነዚ ናይ ሓገዝ ምሕጽንታ ዘቕረቡ ኤርትራውያን፣ እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ዝሓዞም ስደተኛታት ነቶም ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት 100 ፈልዩ ከምዝወሰዶም ገሊጾም።

እስላማዊት ሃገረ ሶርያን ዒራቕን ክምስርት’የ ዝብል ዳዒሽ ኣቐዲሙ ኣብ ሊብያ ካብ ዝቐተሎም ኢትዮጵያን ምዃኖም ዝገለጾም 30 ስደተኛታት ብውሕዱ ሰለስተ ኤርትራውያን ከምዝነበርዎም’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

እቶም ዳዒሽ ዝቐተሎም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣቐዲሞም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ምዃኖም’ውን ሓያሎ ኣብ እስራኤልን ካልእ ሃገራትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ከለልይዎም ምኽኣሎም ሆትላይን ፎር ማይግራንት ዎርከርስ ዝተባህለ ትካል ጠቒሱ።

ሞት እዞም 30 ንጹሃት ስደተኛታት ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እዚ ዘስካሕክሕ ቕትለት ዜጋታቱ ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።

ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ኣብ መዝርዓታት ተዓጽዮም ዝርከቡ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ሊብያ ድሕሪ ምውዳቓ ሙዓመር ቐዛፊ ገኒኑ ኣብ ዘሎ ፋሉልነት፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ምስ ኣልቓዒዳን ዳዒሽን ይጽንበሩ ምህላዎም ይግለጽ።

ኩቡራት ተኸታተልቲ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ብዝብዝር ናይ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ጽባሕ ድሕሪ ዜና ክቐርብ’ዩ።

===========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0