ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

Radio Erena: 12 June, 2014

Amb Sudan

ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ ዓድል ሑሰን ሸሪፍ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ልዕሊ ክልተ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ብሪጣንይ ዑቕባ ከምዝሓተተ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ሓደ ካብ ምኩራት ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ምዃኑ ዝንገረሉ ኣምባሳደር ሸሪፍ፣ ንናይ ወጻኢ ፖሊስ መንግስቲ ኣልበሽር ብቀጻሊ ክቓወም ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ዘተ ሃገራዊ ዕርቂ ክዕወት ኣይክእልን’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ’ዩ ኣብ ኡጋንዳ ዝነበሮ ናይ ኣምባሳደር መዝነት ብምርሕራሕ ናብ ብሪጣንያ ዝንገር ዘሎ።

 

ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት እታ ሃገር ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ኡጋንዳ ዝነበሮ መዝነት ንምክትሉ ብምርካብ ናብ ብሪጣንያ ከምዘምርሐ ኣረጋጊጾም።

ይኹን’ምበር፣ ነቲ ዝነበሮ መዝነት ዝሓደገሉ ምኽንያት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዘይኮነ፣ ብፍቓዱ ጥሮታ ክወጽእ ስለዝመረጽ ክብሉ ይጠቕሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ቬኔዙዌላን፣ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ማሊዥያን፣ ንናናይ ወጻኢ ፖሊሲ መንግስቲ ኣልበስር ብምቕዋም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።
===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0