ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቓውሞ ገጢምዎ

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተቓውሞ ገጢምዎ

Radio Erena: 19 May 2015

EriAmb

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፣ ብሰንበት 17 ግንቦት ኣብ ከተማ ደርባን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብ ቢች ሆቴል ኣብ ዝርከብ ኣዳርሻ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር መደረ ንምስማዕ ናብ መድረኽ ድሕሪ ምድያቡ፣ እቶም ደለይቲ ለውጢ፣ ንግዳያት ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝሞቱ ኤርትራውያን ናይ ሓደ ደቕቕ ዝኽሪ ብምክያድ መደቡ ክጅምር ከምዘገደድ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

 

ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ተጻብኦታትን ብድሆታትን ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ከቕርቦ ዝወጠኖ መደረ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ስደትን ሳዕቤናቱን ከተኩር ብደለይቲ ለውጢ ጸቕጢ ከምዝተገብረሉን ብሰንኩ ድማ ዕግርግር ከምዝተላዕለን እቲ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝተላእከ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣምባደራት መንግስቲ ኤርትራን ካድራት ህግደፍን፣ ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ብምትኳር ናይ ጎስጓስ ሰሚናራት የካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽኦም ንዝኽእል ተቃውሞ ብምስጋእ ዝእከብሉ ኣዳራሻትን ዕለትን ብምስጢር ክሕዝዎ ይርኣዩ ኣለዉ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0