ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ንጋዜጠኛታት ፈረንሳ ኣብ ዝጸውዓቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ጥራይ ተረኺቦም

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ንጋዜጠኛታት ፈረንሳ ኣብ ዝጸውዓቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ጥራይ ተረኺቦም

Radio Erena: 29 June 2016

Hanna

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፣ ብ28 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ንጋዜጠኛታት ፈረንሳ ዝጸውዓቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሰለስተ ጋዜጠኛ ጥራይ ከምዝተረኽቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ ኣምባሳደር፣ ብዛዕባ’ቲ ኣንጻር ኤርትራ ይካየድ ኣሎ ዝበለቶ ናይ ሜድያ ጸለመን፣ እዋናዊ ሓበሬታ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽንን ብዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ ክትህብ ምዃና ናብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ወግዓዊ ደብዳቤ እኳ እንተሰደደት፣ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ጋዜጠኛታት ግና ኣይተረኽቡን።

ካብቶም ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዝተረኽቡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት እቲ ሓደ ካብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP)፣ እቲ ካልኣዩ ከኣ ሊበራስዮን ካብ ዝተባህለት ጋዜጣ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሳልሳዮም ከኣ ሰኣላይ’ዩ።

 

ኣቐዲማ’ውን እታ ኣምባሳደር፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ቃለ መጠይቕ ንኸካይድ ድሕሪ ዘካየደቶ ጻዕሪ፣ ኣብ 16 ሰነ ፓሪስ ዝርከብ ስቱድዮ ናይቲ ብቋንቋታት ፈረንሳ፣ እንግሊዝን ዓረብን ዝፍኑ ሬድዮ ክርከብ ከምዝኸኣለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ከኣ፣ ምባሳደር ሃና ስምኦን እትርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣናት እቲ መንግስቲ ክኽሕድዎ ንዝጸንሑ፣ “ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣለዉ” ንዝብል ክሲ፣ ክኣምነሉ ክኢሉ’ዩ።

ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናነሃረ ኣብ ዝመጸሉ፣ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዜ ገደይብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምትኳር ሓያሎ ጸብጻባት’የን ዘዳልዋ ዘለዋ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ኣንጻሩ ብማዕከናት ዜና ፈረንሳ ዝቐርብ ዘሎ ተደጋጋሚ ጸብጻባት ንምፍዋስ፣ ንሓያሎ ጋዜጠኛታት ናይ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ናብ ኤርትራ ክበጽሑ እኳ እንተፈቐደ፣ ብዘቕረብዎ ጸብጻባት’ውን ከምዘይዓገበ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ኣብቲ ትማሊ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ቁጥዐኣ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ካብ ዘካየዱ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቆናጁን ዝንእድን ጸብጻብ እንተዳልዮም ክሳብ 15 ሽሕ ጉቡ ክወሃቦም ከምዝኽእል ብሓደ ካብቲ ነቲ መደብ ዝወደቡ ሰባት ከምዝተነግሮም፣ ሓደ ካብቶም ጋዜጠኛታት ጠቒሱ።

ንሱ፣ ነቲ 15 ሽሕ ጉቦ ክወሃቦም፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ጽቡቕ ጸብጻብ ጥራይ ከሕልፍን ንዝንገሮም ዝነበረ ዘረባ ብድምጺ ሰኒድዎ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስሉ ንምጽብባቕ ብገንዘብን ካልእ ረብሓታትን ዝዓሰቦም ሓያሎ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታትን ጀመርቲ ጸሓፍትን ከምዘለዉ’ዩ ዝንገር።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0