ኣሚር ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

ኣሚር ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 10 April 2017

Amir Qatar

ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

እቲ ኣሚር ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ንምብጻሕ 10 ሚያዝና ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለመርያም ደሳለኝን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት እቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ክዝቲ ምዃኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓረብ ይገልጻ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቀጠርን ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ናይ ወፍርንን ንግድን ርክባት ክመያየጡ’ዮም።

ኣሚር ቀጠር ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ዘሎ ፕረዚደት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየዱክበጽሑ እንከለዉ፣ ኣብ 22 መጋቢት’ውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ናብታ ሃገር ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ይዝከር።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ’ዩ።

ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ነብኡ ብምትካእ ኣብ 2013 ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ንምጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ዞባውያን መራሕቲ እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ርክባት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ግብጺ ኣንጻር እታ ሃገር እትውጥኖ ዘላ ሽርሒ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0