ኣሚር ቀጠረን ፕረዚደንት ቻድን ናብ ዳርፉር ከምርሑ’ዮም

ኣሚር ቀጠረን ፕረዚደንት ቻድን ናብ ዳርፉር ከምርሑ’ዮም

Radio Erena: 15 July 2016

Darfu

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዳርፉር ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

ምስ ኣሚር ቀጠር ፕረዚደንት ቻድ ኢድሪስ ደቢ’ውን ናብ ዳርፉር ምብጻሕ ክፍጽም ትጽቢት ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብ ሱዳን ይሕብራ።

ዕላማ ምብጻሕ ኣሚር ቀጠርን ፕረዚደንት ቻድን ናብ ዳርፉር፣ ንምዝዛም ስምምዕ ሰላም ዳርፉር ንምጽንባል ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ስምምዕ ሰላም ዳርፉር ኣብ 14 ሓምለ 2011 ኣብ ዶሓ ከምዝተኸተመ ይዝከር።

እቲ ብመንጎኝነት ኣሚር ቀጠር፣ ኣብመኖ መንግስቲ ሱዳንን ክልተ ዓበይቲ ተቓወምቲ ሃይልታት ዳርፉርን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ንግጭት ዳርፉር ናይ መወዳት ፍታሕ ከምዝኣሉ እኳ እንተዘይካኣለ፣ ናብ ተዛማዲ ሰላም ኣሰጋጊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

 

ኣብ ጽምብል ምዝዛም ቀዳማይ መድርኽ ስምምዕ ሰላም ዳርፉር ከኣ፣ ፕረዚደንታት ሱዳንን ቻድን፣ ኣሚር ቀጠርን መራሕቲ ተቓወምቲ ዳርፉርን፣ ኣብ ኤል ፋሽር፣ ርእሰ ከተማ ሰሜናዊ ዳርፉር ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክራኸቡ’ዮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0