ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ሶማል ኣምባሳደር መዚዛ

ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመታት ኣብ ሶማል ኣምባሳደር መዚዛ

Radio Erena: 26 February 2015

kat

መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ሶማል ኣምባሳደር ከዋፍር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብ24 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ንካትሪን ኤስ. ዳህናኒ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ክትከውን ከምዝረቖሓ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣመሪካ ድሕሪ 1991 ናይ መጀመርያ ኣምባሳደራ ናብ ሶማል ከተዋፍር ምዃና እትገልጽ ዘላ፣ ኣብ ጥሪ 2013ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከም ሕጋዊ መንግስቲ እታ ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ’ያ።

 

ምምሕዳር ዋሽንግተን ናብ ሶማል ዝመዘዞ ልኡኽ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ጸጥታዊ ኩነታት ሶማል ብዘፍቅዶ መሰረት ከኣ እዛ ሕጂ ተመዚዛ ዘላ ኣምባሳደር ኣመሪካ ምስ ኣባላታ ናብ ሞቛድሾ ክትግዕዝ ተክእሎ ምህላዉ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።

ኣመሪካ ኣብ የመን ዝርከብ ኤምባሲኣ ጠቕሊላ ክትዓጹ እንከላ፣ በንጻሩ ኣብ ሶማል ሓድሽ ኤምባሲ ትኸፍት ኣላ።

ጸጥታ ሶማል ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብ ወተሃደራዊ ጸብጻበት ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ እታ ሃገር ሕጂ’ውን ከቢድ ጸጥታዊ ሃጓፋት ከምዘለዋ ዘመልክቱ ፍጻሜታት መዓልታዊ’ዮም ዝርኣዩ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0