ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተሓቢሩ

ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 January 2018

us helicopter in somaliaሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዘካየደት፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ 50 ኪሎሜተር ካብ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፣ ምስ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብምውህሃድ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ ኣፍሪኮም ገሊጹ።

እንተኾነ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 18 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ወተሃደራት ኣመሪካ፣ ምኽሪን ሓበሬታን ኣብ ምሃብ ደኣምበር ብቐጥታ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዘይተሳተፉ ሓቢሮም።

ካብ ፐንታጎን ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ እታ ኤም.ዲ.500 ዝተሰምየት ሄሊኮፕተን ዋንነታ ናይ ኬንያ ምዃኑ ይገልጽ። ጋዜጣታት ሶማልያ ኣብ ዝሃብኦ ሓበሬታ ብኣንጻሩ፣ ሓያሎ ወተሃደራት ኣመሪካ ምስ ሰራዊት ሶማልያ ተጸምቢሮም ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉ ኣመልኪተን።

እቲ ሓያል ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ዝረኣየሉ ከባቢታት ከተማ ኪስማዮ፣ በቲ ሓድሽ ዝቖመ ሃገራዊ ሰራዊት ጸጥታ ሶማልያ ክሕሎ’ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ። ወተሃደራውያን ምጭታት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ግና፣ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኣመሪካን ብብዝሒ ከምዝንቀሳቐሱዎን መዓልታዊ ናይ ጸጥታ ኮለላ ከምዘካዪዱሉን ይሕብሩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0