ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ክናዋሕ ወሲና

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ክናዋሕ ወሲና

Radio Erena: 12 February 2016

US

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ክናዋሕ ምውሳና ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ድሕሪ’ዚ ናይ ኣመሪካ ውሳነ፣ ንኣካያዲ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ካርቱም ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ቁጠዐኡ ከምዝገለጸ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዝምድና ኣመሪካን ሱዳንን ክመሓየሽ፣ ብጉዳይ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ከኣ ክዓለ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ ኣመሪካ ግና እቲ እገዳ ክናዋሕ ምውሳና፣ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ሓድሽ መድረኽ ተፈጢሩ ይርከብ።

ብኣላይነት ኣመሪካ ተነዲፉ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ 2005 ዝሓለፈ ወሳኔ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፣ ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ገበናት ዝኽሰሱ ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ናይ መገሻ ምክልካልን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረቶም ክድስክልን ዝብል ይርከቦ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ኣገዳ፣ ሱዳን እተፍርዮ ወርቂ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከይሽየጥ ብኣመሪካ እገዳ ተነቢርሉ ኣሎ።

ነዚ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሱዳንን ዝጸንሕ ሓርፋፍ ዝምድና ኣብ ንቡር ንምምላስ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኦባማን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆን ኬሪን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ዝርርብ ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።

እንተኾነ ኣመሪካ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝትትተነብረ እገዳ ክቕጽል ከምእትደሊ ውሳኔኣ ኣነጺራ ኣላ።

ሱዳን ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ እንታይ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ከምእትወስድ እኳ እንተዘየነጸረት፣ ነቲ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት ተበግሶ ንምምሕያሽ ዝምድና ክትደፍኣሉ እንተዘይኮይኑ ካላ ምርጫ ከምዘይብላ ተንተንቲ ይእምቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0