ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሓቶ

Radio Erena: 02 November 2016

US Sudan

ኣመሪካ ካብ 1997 ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣጽኒዓቶ ዘላ እገና ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናወሓቶ ኣፍሊጣ።

ሰበ ስልጣን ዋሽንግተን ብዛዕባ ምንዋሕ እገዳ ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ሓበሬታ፣ ሱዳን ንጸጥታን ረብሓን ኣመሪካ ስግኣት ካብ ምዃን ኣየዕረፈት ይብሉ።

መንግስቲ ሱዳን፣ እገዳ ንኽለዓለሉ ብመንጎኝነት ሓያሎ ኣሳልጥቲ-ሎቢስት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ክዘራረብ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣመሪካ ግና ነቲ እገዳ ከምዘይተልዕሎ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ሱዳን፣ ንመራሒ ኣልቓዒዳ ዝነበረ ኦሳማ ቢንላደን ካብ 1992 ክሳብ 1996 ኣብ መሬታ ክነብር ብምፍቃድን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ምስሕሓብን ምስ ኣመሪካ’ዩ ጠንቒ እቲ እገዳ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ንረብሓታት ኣመሪካ ስግኣት ከምዘይኮነ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ጉዳይ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ዝወሰዶ መርገጺ፣ እቲ ንሓይሎ ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ክልዓል ክፈኩስ ከምዝክእል ግምታት ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ ኣመሪካ፣ ግጭት ዳርፉርን ካልእን ገና መዓልቦ ዘይረኸቡ ጉዳያት ሱዳን ከም ቅድመ ኩነታት እናቐርበት፣ ነቲ ን19 ዓመታት ዘተግበረቶ እገዳ ሕጂው’ን ክትቕጽሎ ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምንዋሕ እቲ እገዳ ዘይፍትሓዊ’ዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0