ኣመሪካ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 585 ሚልዮን ዶላር ንየመን ለጊሳ

Radio Erena: 20 March 2022

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ናይ 585 ሚልዮን ዶላር ንየመን ለጊሳ።
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ የመን ንምርዳእ ዝውዕል ገንዘብ ብዝሓተቶ መሰረት ሃገሩ ምላሽ ትህበሉ ምህላዋ ኣመልኪቱ።
ነዚ ሓዊስካ ኣመሪካ ናብ የመን ዝለኣኸቶ ሓገዝ ናብ 4.5 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ ኣሎ። ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መግለጺኡ፣ ብደርቂ ዝተጎድኡ የመናውያን፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዛዪዱ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብኦም ህጻናት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ለገስቲ ሃገራት ስለዝወሓዳ፣ ኣብ የመን ከካዪዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት ብክልተ ሲሶ ከጉድሎ ከምዝተገደደ ይገልጽ።
ሸውዓተ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ የመን፣ ሓደ ካብቶም ኣቓልቦ ዓለም ዝተነፍጎም ናይ ዘበንና ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተባሂሉ ይፍለጥ።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0