ሱዳንን ዩጋንዳን፣ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክካየድ ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena: 20 March 2022

ሱዳንን ዩጋንዳን፣ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክካየድ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።
ኣቦ ወንበር ቆንስል ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዘካየደሉ ምስ ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ተራኺቡ፣ ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ከምዝበጽሐ፣ ካብ ከተማ ኢንተበ ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ’ቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዘሎ ናይ መራኸቢ ሜላ፣ ምምሕያሽ ክግበረሉ ተሰማሚዖም።
ከምዝፍለጥ ፈጻሚ ጉዳያት ኢጋድ፣ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ኢንተበ ክካየድ ምዃኑ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምልኣኹ፣ ሱዳን ከምዘይትሳተፍ ገሊጻ’ያ።
ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣቦ ወንበርነት ኢጋድ ገና ኣብ ሱዳን ምህላዉ ብምዝኽኻር፣ እቲ ዋዕላ ብዘይኣፍልጦና እዩ ተወዲቡ ብምባል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ኔሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ ርክብ ኣል-ቡርሃን ምስ ሙሰቨኒ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ክካየድ፣ ሱዳን ከምዝተሰማመዐት ይግለጽ ኣሎ።
ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ዋዕላ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተሓበረን። እንተኾነ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ እማመ፣ ንህሉው ኩነታት ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ብዝምልከት ኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝርርብ ከካዪዳ ምዃነን ኣንፈታት ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0