ኣመሪካ፣ ዝተሰጉ 92 ሶማላውያን ጽዒና ዝተበግሰተ ነፋሪት ካብ ሰኔጋል ተመሊሳ

ኣመሪካ፣ ዝተሰጉ 92 ሶማላውያን ጽዒና ዝተበግሰተ ነፋሪት ካብ ሰኔጋል ተመሊሳ

Radio Erena: 12 December 2017

Somali to be deported from US

ካብ ኣመሪካ ዝተሰጉ 92 ሶማላውያን ጽዒና ዝተበግሰተ ነፋሪት ሰኔጋል ድሕሪ ምብጻሓ ከምዝተመልሰት ተሓቢሩ።

እታ ነፋሪት፣ ንብምሉኦም እቶም ናብ ሶማል ዝተሰጉ ተሳፈርታ ሒዛ ክሳብ ሰኔጋል ድሕሪ ምጉዓዛ፣ ብ6 ታሕሳስ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘካየደቶ ዕርፈቲ ምስ ተሳፈርታ ክትምለስ’ዩ ተወሲኑ።

ክሳብ ሞቛድሾ ዝተሰርዓላ በረራ ሰሪዛ ካብ ሰኔጋል ዝተመልሰትሉ ምኽንያት፣ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት እኹል ሎጂስቲክስ ኣይረኸብናን ብዝብል ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፣ እቲ ጉዳይ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ።

እቶም ብምምሕዳር ትራም ክስጎጉ ዝተወሰነሎም 92 ሶማላውያን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣመሪካ ተመሊሶም እኳ እንተለዉ እንደገና ናብ ዓዶም ዝፋነወሉ ዕለት ኣይተነጸረን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ካብ ጀርመን ዝተሰጉ 220 ኣፍናጊስታውያን ጽዒኑ ናብ ከተማ ካቡል ክብገስ ዝተሓበሮ ኣብራሪ፣ ነቲ ተልእኾ ብማቃውም፣ ነቲ ዝተሰርዓሉ በረራ ሰሪዙ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0