ኣመሪካ፣ ክልተ ኤርትራውያን ኣሕዋት ቆልዑን ሓትንኦምን ምስኦም ብዝነብር ዘመድ ተቐቲሎም

Radio Erena: 01 July 2020

ኣብ ኣመሪካ፣ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብ እትርከብ ከተማ ፈኒክስ፣ ንክልተ ኤርትራውያን ቆልዑን ሓትንኦምን ብኻራ ዝቐተለ ኤርትራዊ፣ ንባዕሉ’ውን ተወጊኡ ኣብ ሕምቕ ኩነታት ስለዝርከብ፣ ጠንቂ ‘ቲ ቅትለት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት ምዃኑ ዝተገልጸ ኤርትራዊ፣ ብሰንበት 28 ሰነ ናይ ንግሆ፣ ኣዲኦም ኣስቤዛ ንምሽማት ድሕሪ ምውጽኣ፣ ንጓል 9 ዓመት ኣርሴማ ምስ ወዲ 7 ዓመት ማዕድን ሓዋን ዳናይት ዝተባህለት ጓል 18 ዓመት ሓትንኦም’ዩ ብኻራ ቀቲልዎም።

ንገዛእ ርእሱ’ውን ብኻራ ደጋጊሙ ስለዝወግኦ፣ ፖሊስ ናብቲ ብሓባር ዝነበሩሉ ገዛ ክበጽሕ እንከሎ ሃለዋትኡ ኣጥፊኡ’ዩ ረኺብዎ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከተማ ፈኒጽ፣ ሰርጌንቲ ቶሚ ቶምሰን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ቀታሊ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ናይ ቀረባ ዘመድ ናይቶም ዝቐተሎም ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ንሱ’ውን ንባዕሉ ብኸቢድ ተወጊኡ፣ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ስለዘሎ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ከምዘይክኣሉ ጠቂሱ።

ፖሊስ፣ ኣቐዲሙ፣ ቅትለት ክፍጸም ምዃኑ ዝእንፍት ናይ ቴሌፎን ጻውዑት ተቐቲቢሉ’ዩ።

ቅትለት ናብ ዝተፈጸመሉ መንበሪ ገዛ ኣብ ዝበጽሕሉ፣ ሬሳ ናይ ሰለስተ ሰብን ሃለዋቱ ዘጥፍአን ጥርጡርን ረኺቡ።

ጠንቂ’ቲ ቅትለት ኣብ ስድራ ዘጋጠመ ባእሲ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

እንተኾነ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ብምምልካት፣ ነዞም ስድራን ዝነበርዎ ኩነታትን ዝፈልጡ መሰካኽር፣ ብምስጢር ሓበሬታ ክልግሱ ሓቲቱ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0